tehadso.org ብካቶሊካዊ ውህበታዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ፡ሥርዓት ግእዝ ዋሺንግተን ዲሲ ሜትሮ ኤርያ ብመጋበሪ ብዙኃን ዝፍኖ ሕይወት ዚህብ ቃል ኣምላኽ ብምብሳር ንክርሰቶስ ህልው ንምግባርን፡ ኣብ ሕይወት ውልቀስባትን ስድራ ቤታትን መንፈሳዊ ናብራ ናይ ብዙኃት ሰብ ሠናይ ድላይ ኣሕዋትን ኣሓትን ለውጢ ምምጻእ ዝዕላማኡ፡ ገጽ-መርበብ ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትምህርትን መምርሕን ዝተመሥረተ ትምህርቲ፡ ብጽሑፍን ብድምጽን ብግቡእ እናተዳለወ ዚዝርጋሓሉ፡ ብተወፋይነት ኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ውህበታዊ ተሓድሶን፡ ብትግሃትን ምትሕብባርን ናይ ካህናትን ድናግልን እናተኻየደ ንኽብሪ እግዚኣብሔርን ንድኅነት ነፍሳትን ዝተወፈየ ኣገልግሎት መቃልሒ እዩ።
ኲልና ብትግሃትን ብክፉት ልብን ኣብኡ ንዝወሃበና መንፈሳዊ ጽሑፋት ብምንባብን፡ ብድምጺ ተቀሪጹ ኣብኡ ንዝለአኸና ትምህርትታት ድማ ሰሚዕና ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንሕደስን ንቅደስን ይግበረና። ኣሜን።
ኣባ ኣውተ ወልዱ